11 ዝገደደ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ክፉኣት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ቀተልኩምዎ፤ ሕዚ እውን ደሙ ኻብ ኣእዳውኩም ክደልዮ እየ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍአኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም።
ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ።
ኣምላኽ ድማ ንኖህ “ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ፍፃሜ ኣብ ቅድመይ በፂሑ ኣሎ፤ ብሰንኮም ምድሪ ዓመፃ መሊኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣነ ንኣኣቶም ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።
ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ፥ ህይወት ዘለዎ ተደምሰሰ፤ ሰብን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራሕ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ።
ንስኻ ኽንዲ ሳኦል ነገስካ፤ ክንዲ እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ሳኦል ዘፍሰስካዮ ደም፥ እግዚኣብሄር ፈደየካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ፤ ስለዙይ እንሆ ብኽፍኣትካ ተትሓዝካ” ይብሎ ነበረ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።
ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ይሃሉ፤ መዘከርታኡውን ካብ ምድሪ ይጥፋእ።
እቲ ደሞም ዝመራመር ንሱ ሓሲቡ እዩሞ፤ ኣውያት ነዳያንውን ኣይረስዐን እዩሞ።
“ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፥ ይቀተል።
ሕዚ እውን፥ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብፌራ ምወቓዕኹኹም ነይረ፤ ንስኻውን ካብ ምድሪ ምጠፋእኻ ኔርኻ።
ሓጢኣተኛታት ግና ኻብ ምድሪ ይጠፍኡ፤ ዓመፀኛታትውን ካብኣ ይንቀሉ።
ኣብ ቅድሚ ሓጥእ ዝወድቕ ፃድቕ፥ ከምቲ ዝተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዒላን እዩ።
“ንስኻትኩምውን፥ ‘እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን፥ ክጠፍኡ እዮም’ ክትብልዎም ኢኹም።”
ኦ ቅዱስ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዘለኻዶ ኣይኮንካን? ንሕና ኣይንመውትን፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንፍርዲ ኣንበርካዮ፤ ኦ ኸውሐይ ንተግሳፅውን ገበርካዮ።
ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።
ከምቲ ኻብ ሰይጣን ወገን ዝነበረ፥ ንሓዉ ኸዓ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ? ግብሩ ኽፉእ፥ ግብሪ ሓዉ ግና፥ ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።