10 ነቲ ፅቡቕ ወረ ዘምፅአለይ መሲልዎ ‘እንሆ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ዝነገረኒ፥ ሒዘ ኣብ ፂቅላግ ቀተልክዎ። ናይቲ ብስራት ዘምፅአለይ ዝመሰሎ ኸዓ ኸምዙይ ገይረ ኸፈልክዎ።