9-10 ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሓለሉ፥ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሓልፍ፥ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ከም ዝቐውም እንተ ዘይገይረ፥ ኣምላኽ ንኣይ ንኣበኔር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በለ።
ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ”
ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸዓ ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከዓ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዳዊት ገና ቐትሪ እንተሎ “እንጀራ ብላዕ” ኽብልዎ መፁ። ዳዊት ግና፥ “ፀሓይ እንተይዓረበት እንጀራ ኾነ ወይ ካልእ እንተ ጠዓምኩ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግብረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።
ሽዑ ኤልዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፥ ንኤልያስ “ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኻብዚኣቶም ከም ሓንቲ ነፍሲ እንተ ዘይገይረያ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” በለት።
ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን “ኣዶንያስ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዝተዛረበ እንተ ዘይኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፥ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ።
እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦
ኣብታ እትሞትላ እመውት፥ ኣብኣ ድማ እቕበር፤ ኣነ ብሞት እንተ ዘይኮይኑ፥ ካባኺ እንተ ተፈልየ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይ ከዓ ይወስኸኒ” በለት።
ሳኦል ድማ “ኦ ዮናታን፥ ሎሚ እንተ ዘይሞይትካስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በሎ።
ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ሎሚ ንመንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፥ ካባኻ ንዝሐይሽ ንጐረቤትካ ኣሕሊፉ ሃባ።
ፅባሕ ክሳዕ ዝወግሕ፥ ካብ ዘለዎ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኾነ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ብህይወት ሓዲገስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዙይ ይግበር፤ ከምዙይውን ይወስኽ ኢሉ ነበረ።”
እግዚኣብሄርስ ከምቲ ብኣይ ዝተዛረቦ እዩ ዝገበረ፤ ነታ መንግስቲ ኸዓ ኻብ ኢድካ ኣሕዲጉ ንብፃይካ ንዳዊት ሂብዋ እዩ።
ኤሊ ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በይዛኻ ኣይትሕብአኒ። ካብቲ ዅሉ ዝተዛረበካ ሓደ እኳ እንተ ሓቢእኻለይ፥ ኣምላኽ ብብርቱዕ ይቕፃዕኻ” በሎ።