4 ራብዓይ ካብ ሓጊት ዝተወለደ ኣዶንያስ፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤
ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም።