16 ሰብኣያውን ምሳኣ ኸደ፤ ክሳዕ ባሑሪምውን እናበኸየ ሰዓባ። ሽዑ ኣበኔር “ኪድ ተመለስ” በሎ። ንሱውን ተመለሰ።
ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።
ግና ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፥ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ። ኣብ ብራቂም ምስ በፅሑ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ኣተዉ። ኣብ ውሽጢ መረባኡ ዒላ ስለ ዝነበረቶ ድማ ናብኣ ወረዱ።
ሳሚ፥ ወዲ ጌራ ብንያማዊ በዓል ባሑሪም ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ኾይኑ ንንጉስ ዳዊት ክቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ።
ካብ ነገድ ብንያም ከዓ ሽሕ ሰብኡት ምስኡ ነበሩ። ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ድማ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ኣገልገልቱን ሒዙ መፀ። ኵላቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ናብ ዮርዳኖስ መፁ።
ኣቢዓልቦን በዓል ዓረባ፥ ዓዝሞት በዓል በርሑማ፥
ኢያቡስቴ ከዓ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ ጳልጢኤል ወዲ ሌሳ ወሰዳ።
“እንሆ ኸዓ፥ ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ኣነ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፤ ግና ንሱ ንዮርዳኖስ ኣብ ዝተሳገርኩሉ ጊዜ ኽቕበለኒ ወረደ፤ ኣነውን ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ።
እስማኤል ወዲ ናታንያ ኸዓ ኻብ ምፅጳ እናበኸየ ኸደ። ምስ ተራኸቦም ድማ “ንዑናይ፤ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም” ንኺድ በሎም።