13 ዳዊት ድማ “ፅቡቕ፤ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እኣቱ። እንተ ኾነ ኻባኻ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣላ። ንሳ ኸዓ ናባይ ክትመፅእ እንተለኻ ንሜልኮል ጓል ሳኦል ተማሊእኻያ እንተ ዘይመፂእኻ ገፀይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ።
ይሁዳ ኸዓ “እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ።
ንኣና ንሓሻኽርካ ድማ ‘እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየምፂእኹምዎ፥ ደጊም ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ በልካና።
ንሕና ኸዓ፥ ‘ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ ገፅ እቲ ሰብኣይ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና ኽንማልኦ እንኽእል እንተ ዄንና ግና ኽንከይድ’ በልናዮ።
ሽዑ ኣበኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ “እዛ ሃገር ናይ መን ድያ? ኪዳን እተወለይ እሞ፥ ብምልእታ እስራኤል ናባኻ ኽትምለስ ክሕግዘካ እየ” በሎ።
ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኮት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ክስዕስዕን ክሕጐስን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።