9 ኢዮኣብ ድማ ፀብፃብ እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንንጉስ ኣቕረበ፦ ተዋጋእቲ ሰባት ኣብ እስራኤል ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ሰባት ነበሩ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ነበሩ።
ስለዙይ ንዅላ እታ ሃገር ዘይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ካብ ይሁዳ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥