7 ካብኡ ናብ ደቡብ ሓሊፎም ናብታ ዕርድቲ ኸተማ ጢሮስ ከዱ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኵለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነዓናውያንን ከዱ። ናብ ደቡብ ይሁዳ ዘላ ቤርሳቤህ እትብሃል ድማ በፅሑ።
ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን “ቍፅሪ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዘይርኩም ቍፀርዎም” በሎም።
ስለዙይ ንዅላ እታ ሃገር ዘይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት።
ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ።
ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ።
እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ።
እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ደጕዓን ቈላን፥ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕርን ብወገን ሊባኖስን ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት እዙይ ሰምዑ። ንሳቶም ከዓ ነገስታት ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ነበሩ።
ሰብ እስራኤል ከዓ ንሔዋውያን “ምናልባሽ ኣብ ማእኸልና እትነብሩ ኸይትኾኑ፥ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ቃል ኪዳን ክንኣቱ?” በልዎም።
ሓሙሽቲኦም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን፥ ኵሎም ከነዓናውያን፥ ሲዶናውያን፥ እቶም ኣብ እምባታት ሊባኖስ፥ ኣብ እምባ በዓል ሄርሞን ክሳዕ መእተዊ ሓማት ዝነብሩ ኤዋውያን።