Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 24:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን “ቍፅሪ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዘይርኩም ቍፀርዎም” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 24:2
16 Referencias Cruzadas  

ንፅባሒቱ ኸዓ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ እንጀራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፥ ንኣጋር ሃባ፤ ኣብ ማእገራ ድማ ኣሰከማ፤ ነቲ ቘልዓ ሂቡውን ሰደዳ። ንሳ ኸዓ ኸይዳ ኣብ በረኻ ቤርሳቤህ ከርተት ትብል ነበረት።


ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ።


ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።


ኢዮኣብ ሓለቓ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ።


ፄሌቅ በዓል ኣሞን፥ ነሓራይ በዓል ብዔሮት፥ ተሸካሚ ኣፅዋር ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ።


እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።


ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤


ዳዊት ከዓ ንኢዮኣብን ነሕሉቕ ህዝብን “ኪዱ ኻብ ቤርሳቤህ ጀሚርኩም ክሳዕ ዳን ዘሎ ህዝቢ እስራኤል ቍፀርዎ። ብዝሖም ምእንቲ ኽፈልጥ ከዓ ፀብፃብ ኣምፅኡለይ” በሎም።


እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ።


ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ሰብ ዝእመን፥ ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥ ዝተረገመ እዩ።


ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።


ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos