12 “ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።
ግና በዝ ነገር እዙይ ነቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር ግሁድ መላገፂ ስለ ዝሃብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ኽመውት እዩ” በሎ።
ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ
ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ “ኣብ ሃገርካ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ክመፀካዶ? ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ኽትሃድም፥ ንሳቶም ከሳጕጉኻዶ? ወይ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ክኸውን ትመርፅ? ነቲ ዝለኣኸኒ ኽምልሰሉስ ኣስተውዒልካ ምረፅ” በሎ።
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኽቘፅር ጀሚሩ ነበረ፤ ግና ኣይወድኦን። ብሰንኪ እዙይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል መዓት መፀ። እቲ ፀብፃብ ግና ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ኣይተፅሓፈን።
ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”
ኣነ እግዚኣብሄር ከዓ ተፃረርክዎም፤ ናብ ምድሪ ፀላእቶምውን ኣእተኹዎም። ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥
ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ብዘየለውሉ ዓንያ እንተላ ብዕረፍታ ደስ ይብላ፤ ንሳቶም ከዓ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፥ ሕግጋተይ ስለ ዝተፀየፉን፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።