Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 24:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 24:11
9 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ። እቲ ሓደ ሃብታም ነበረ፤ እቲ ሓደ ድማ ድኻ ነበረ።


“ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።


ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ።


እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ


እዚኣቶም ኵሎም ደቂ እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪ ዝነበረ ኤማን እዮም፤ ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ንኤማን ልዕል ከብሎ ኢሉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ሃቦ።


እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ከምኡውን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ብጋድ እቲ ናይ ንጉስ ነቢይን፥ ብነቢይ ናታንን ተመሪሑ ዝሰርዖ፥ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ፀናፅልን መሰንቆታትን በገናታትን ኣትሒዙ ኣቖሞም።


ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።


(እዝ ሎሚ ነቢይ ዝበሃል ዘሎ፥ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፥ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክጥይቕ እንትኸይድ “ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ” ይብል ነበረ።)


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos