10 ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈፀሮ ግና ሕሊናኡ ወቐሶ። ንእግዚኣብሄር ድማ “በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፤ እዝ ዝገበርክዎ ዓብዪ በደል እዩ እሞ፥ ሕዚ ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ንኣይ ንባርያኻ በደለይ ይቕረ በለለይ” በሎ።
ሽዑ ዳዊት ንናታን “ንእግዚኣብሄር በዲለ እየ” በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፦ “እግዚኣብሄር ከዓ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፤ ኣይትመውትን ኢኻ።
ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝቐስፍ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፥ ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ እየ ዝበደልኩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም እንታይ ገበሩ? ኢድካ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ኸትከውን እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
“ንኣኻ ብምብዳሎም ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናምውን እንተ ዘይዘነመ መከራ ስለ ዘፅናዕኻሎም፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተ ፀለዩ ንስምካውን እንተኽበሩ፥ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥
ካብዝ ነገር እዙይ ዝተልዓለውን እግዚኣብሄር ተቘጥዐ፤ ንህዝቢ እስራኤል ከዓ ቐሰፎ።
ሽዑ ዳዊት “እዝ ነገር እዙይ ብምግባረይ ንእግዚኣብሄር ብዙሕ በደልኩ፤ ዓብዪ ስንፍና ድማ ገይረ እየሞ፥ ሕዚ በይዛኻ፥ ንበደል ባርያኻ ክተወግዶ እልምነካ ኣለኹ” በለ።
ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ።
ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን።
ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ? ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ? ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥ ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”
ሓጢኣተይ ነኣኻ ኣፍለጥኩ፤ በደለይውን ኣይሰወርኩን፤ በደለይ ንእግዚኣብሄር ክናዘዝ እየ በልኩ፤ ንስኻውን ሓጢኣት ልበይ ሓደግካለይ።
ሽዑ ፈርዖን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ፀዊዑ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና።
እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ ኣሮን ንሙሴ “ጐይታይ! ነቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮ በደል በይዛኻ ኣይትቝፀረልና።
ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ።
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት።
ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ? እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን? ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”
ንሕናውን ቀደም ዘይነስተውዕል፥ ዘይንእዘዝ፥ ግጉያት፥ ንብዙሕ ድልየት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፥ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር፥ ብሰብ ፅሉኣት፥ ንስንሳትናውን እንፃላእ ነበርና።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ።
ድሕሪዙይ ግና፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ንዳዊት ልቡ ወቐሶ።
ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም።
ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።