Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 24:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 24:1
23 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር እዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፥ ናብዙይ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩ፤ ኣይትጨነቑውን።


ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ምእንቲ ኽገብርን፥ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕንን ንፅቡቕ ገበሮ።


“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ።


ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ኢዮራም ካብ ሰማርያ ወፂኡ ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ኣኽተቶ።


ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተልዓለ፤ ንዳዊት ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅር ኣለዓዓሎ።


ደቂ ቶላ ኸዓ፥ ኦዚ፥ ረፋያ፥ ይሪኤል፥ የሕማይ፥ ይብሳም፥ ሰላምኤል ነበሩ። እዚኣቶም ናይ ዓሌት ቶላ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ። ብዘመን ዳዊት ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓያላት ተዋጋእቲ ነበርዎም።


እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኣሴር፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ሕሩያት፥ ሓያላት ጀጋኑ፥ ኣሕሉቕ መኳንንቲ ነበሩ። እቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ተዋጋእቲ፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ነበሩ።


ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።


ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።


“ቤት እስራኤል፥ ህዝበይ ክኾኑ፥ ኣነውን ኣምላኾም ክኽውን እምበር፥ ድሕሪ ሕዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፥ ሕጊ ብምፍራሶም ከዓ ኸይረኽሱስ፥ እቲ ነቢይ እኳ ተጋግዩ ቓል እንተ ተዛረበ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዘታለልኩዎ፤ ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ፤ በደሎም ድማ ኽፆሩ እዮም፤ በደል እቲ ነቢይ ማዕረ፥ በደል እቲ ጠያቒኡ ክኸውን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


“ምስ ናይ እዙይ ኣነውን ፅቡቕ ዘይኮነ ሕግጋት፥ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ስርዓታት ሃብክዎም።


ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።


ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ቘፀሮም፦


እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።


ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም።


ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።


ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥


እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos