Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 23:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ብድሕሪኡ ኸዓ ኤልያና ወዲ ዶዶ ኣሖሓዊ እዩ። ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ፤ ንሳቶም ነቶም ክዋግኡ ኣብኡ ዝተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን እናላገፁ ምስ ኣለዓዓልዎም እቶም ሰብ እስራኤል ኣድሐርሐሩ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 23:9
12 Referencias Cruzadas  

ብኻልአይቲ ወርሒ፥ እቲ ኣሆሃዊ ዱዲ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ሚቅሎት ከዓ ሹም ነበረ።


ኣቢሱ፥ ናዕማን፥ ኦሖዋ፥


እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።


“ኣነ በይነይ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረገፅክዎ፤ ካብ ህዝብታት ከዓ፥ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብቝጥዓይ ረገፅክዎም፤ ብቝጥዓይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ክዳውንተይ ከዓ ብደሞም ተነፅገ፤ ኣልባሰይውን ብደም ተፀየቐ።


ተመልከትኩ፤ ሓጋዚ ኸዓ ኣይነበረን፤ ዝድግፈኒ ኣይነበረን እሞ ተገረምኩ። ስለዙይ ቅልፅመይ ድሕነት ኣምፅአለይ፤ ቍጥዓይ ከዓ ሓገዘኒ።


ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።


ወሲኹ ኸዓ፥ “ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል እንሆ ኣባጭወሎም ኣለኹ። ክልቴና ብውግእ ክንፈታተን ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ” በለ።


ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።


ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios