Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 23:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ስም እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ እዩ፦ ኢያቡስቴ ዝበሃል ከነዓናዊ፥ ርእሲ እቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ፤ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 23:8
8 Referencias Cruzadas  

ዳዊት እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዝኾኑ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።


ካህን ሳዶቅን በናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቢይ ናታንን ሳሚን ሬሲን እቶም ሓያላት ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን።


እቶም ምስ ኵሉ እስራኤል ኮይኖም፥ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ዝበሎ፥ ንዳዊት ዘንገስዎን፥ መንግስቱ ኽድልድል ከዓ ዝሓገዝዎን ኣሕሉቕ ሓያላት እዚኣቶም እዮም።


ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ።


ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ያሾብዓም ወዲ ዘብድኤል ሓለቓ ናይታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ሰራዊት ነበረ። ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።


ዮናታን ሓወቦኡ ንዳዊት፥ መማኸሪኡ ነበረ። ንሱ መስተውዓልን ፀሓፍን ነበረ። ይሒኤል ወዲ ሓክሞኒም ድማ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ።


ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos