5 ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።”
እምበኣር ስለ ዝነዓቕካኒ፥ ንሰበይቲ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፥ ካብ ገዛኻ ሰይፊ ኣይርሕቕን እዩ።’
ንሱ ግና ዘረባኣ ኽሰምዕ ኣይደለየን፤ ካብኣ ዝሕይል ስለ ዝነበረ ዓመፃ፥ ምስኣ ድማ ደቀሰ።
ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።
ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ።
መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ።
ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣተወ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ዘብፃሕኻንስ፥ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ?
ኣቤሴሎም ስለ ዝሞተ፥ እቲ ኻብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት፥ ድሕሪ ኣቤሴሎም ዝተወለደ ነበረ። ንሱ የመና ምልኩዕ ሰብኣይ ነበረ፤ ኣቦኡውን ምሉእ ህይወቱ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኸምዙይ እትገብር?” ኢሉ ነቒፍዎ ኣይፈልጥን ነበረ። ሽዑ “ኣነ ኽነግስ እየ” ብምባል ተልዓለ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኡትን ከዓ ኣዳለወ።
ኵሉ ዝኣዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰሚዕኻ ብመንገደይ ከዓ እንተ ኼድካ፥ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝኾነ እንተ ጌርካ፥ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸዓ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ሓሊኻ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኹሉ፥ ንኣኻውን ፅንዕቲ ቤት ክሰርሐልካ እየ። ንእስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፤
“ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑት፥ ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።
መድሓኒትውን ንህዝቡ ሰደደ፤ ኪዳኑውን ንዘለኣለም ኣዘዘ፤ ስሙ ቅዱስን ዝፍራሕን እዩ።
ነፍሰይ ምድሓንካ ናፈቐት፤ ብቓልካውን ተኣመንኩ።
ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለመንክዎ፤ ንኣኣውን እደሊ ኣለኹ፤ ንሳውን ብዅሉ ዘመን ህይወተይ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር፥ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ ኽርኢ፥ ኣብ መቕደሱውን ከስተንትን እየ።
ኣምላኸይን መድሓኒተይንውን ንሱ እዩሞ፤ ንሱ መፀግዕየይ እዩ፤ ፈፂመ ኣይናወፅን እየ።
“ምስ ዝመረፅኩዎ ኪዳን ኣተኹ፤ ንዳዊት ባርያይ ከዓ ‘ዘርእኻ ንዘለኣለም ከፅንዕ፥ ዙፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንፅ እየ’ ኢለ መሓልኩሉ” በልካ።
ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።
በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
እምባታት ክልዓሉ፥ ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤ ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤ ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ” ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
“ኣነ እግዚኣብሄር ፍርዲ ዝፈቱ፥ ስርቅን በደልን ዝፀልእ እየ፤ ፍዳኦም ብሓቂ ኽፈድዮም፥ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ምስኣቶም ክገብር እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ።
ሽዑ ድማ ኣብ ዙፋን ዝቕመጥ ውሉድ ከይኾነሉ፥ ምስ ዳዊት ባርያይን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናትን ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ክፈርስ እዩ።
ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፤ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ክኾነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ፤ ንመቕደሰይ ከዓ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ከቑሞ እየ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።
ከምቲ፦ ‘ነቲ ቕዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ኻብ ምዉታን ኣተስኦ።
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
እዛ ተስፋ እዚኣ፥ ድልድልትን ፅንዕትን ዝኾነት፥ ናይ ህይወትና መልህቅ እያ። ብመጋረጃ ሓሊፋ፥ ናብታ ውሽጣዊት መቕደስ እትበፅሕውን እያ።
ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።
ንስኻ ጐይታይስ ውግእ እግዚኣብሄር እትዋጋእ ሰብ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ፅንዕቲ መንግስቲ ኸም ዘቑመልካ ርግፅ እዩ። እምበኣርከስ፥ በይዛኻ፥ በደለይ በደል ገረድካ ይቕረ በለለይ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ ድማ በዳሊ ዄንካ ኣይትረኸብ።