3 ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥
ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸዓ “ኤል ኤሎሄ እስራኤል” ኢሉ ሰመዮ።
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ?
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።
እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሓለቓኣቶም ክኸውን ዝተኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ዝኣክል ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሓለቓ ዝግባእ ምግቢ ኣይበላዕናን።
ብሓቂ ፅድቂ ዝፀልእዶ ኽገዝእ ይኽእል እዩ? ነቲ ፃድቕን ሓያልን ዝኾነኸ ንስኻዶ በደለኛ ትገብሮ ኢኻ?
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”
ንእግዚኣብሄር፦ ንስኻ መፀግዕየይ ኢኻ፤ “ንምንታይ ረሳዕኻኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?” እብሎ።
ኦ ጐይታ! ፍትሕኻ ንንጉስ፥ ፅድቅኻ ድማ ንወዲ ንጉስ ሃብ።
ንሱ ንህዝብኻ ብፅድቂ፥ ንነዳያንካውን ብፍትሒ ኽፈርድ እዩ።
ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።
“ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹኻ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ ናባኻትኩም ልኢኹኒ። እዙይ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ በዝ ስም እዙይ ክዝከር እየ።
ኣፍኻ ኽፈት ብሓቅውን ፍረድ፤ ንድኹምን ንምስኪንን ፍትሒ ኣውፅአሎም።”
እንሆ፥ ንጉስ ብፅድቂ ይነግስ፤ መሳፍንትውን ብፍትሒ ይገዝኡ።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።