2 “መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፤ ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ።
ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ ክትነግሮም ኵሎም እስራኤል ንኣኻ ይፅበዩ ኣለዉ።
ኢየሱስ ድማ “ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ እናበለ፥ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ?
ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል።
ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።