8 ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን፤ መሰረታት ሰማይ ተናወፁ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ኣንቀጥቀጠ፤
ዝኾነ ሰብ ክነኽኦ እንተ ደለየ ግና፥ ብኢዱ ሓፂንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፤ ኣብቲ ዘለውዎ ብስራሖም ድማ ፈፂሞም ብሓዊ ይነዱ።”
ኣዕማድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፤ ካብ ተግሳፁ ዝተልዓለውን ይድንግፁ።
ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤ መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሲና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል፥ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ።
ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።
መንገድኻ ኣብ ባሕሪ፥ ኣሰርካውን ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ፤ ኣካይዳኻውን ኣይፍለጥን።
መባርቕቱ ንዓለም ኣብርሁ፤ ምድሪ ሪኣ ተንቀጥቀጠት።
እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤ ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤ ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።
እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ ነበረ እሞ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።
ኦ ጐይታ! ኻብ ሴይር ምስ ወፃእኻ፥ ካብ በረኻ ኤዶምያስ ድማ ምስ ከድካ፥ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፤ ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ።