2 ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ።
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ?
ሓይሊ ዘዕጥቐኒ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንመንገደይውን የቕንዖ።
ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥
ንሱ መሓሪየይን መዕቘብየይን ዕርደይን፥ መድሓኒየይን፤ ረድኤተይን መተኣማመንየይን፥ ንህዝበይውን ኣብ ትሕተይ ዘግዝአለይ ንሱ እዩ።
እምባይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ስለ ስምካ ኢልካ መንገደይ ኣቕንዕ፤ ምርሐኒውን።
ንእግዚኣብሄር፦ ንስኻ መፀግዕየይ ኢኻ፤ “ንምንታይ ረሳዕኻኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?” እብሎ።
ኣብ ፅኑዕ ቦታ ምእንቲ ኽተድሕነኒ፥ ኣምላኽን መሕብእን ኩነኒ፤ ሓይለይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻሞ፥ ንምድሓነይ ኣዘዝካ።
ንእግዚኣብሄር “መዕቘብየይን ዕርደይን ዝተኣማመነካ ኣምላኸይን” ኢኻ እብሎ።
ስም እግዚኣብሄር ፅኑዕ ቅፅሪ እዩ፤ ፃድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።
“ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
ከም እግዚኣብሄር ቅዱስ የለን፤ ብዘይ ዘኣኻ ኻልእ የለንሞ፤ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኰዅሒ ኸዓ የለን።
ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ናብቲ ኣኻውሕ ወሪዱ ኣብ ምድረ በዳ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደድሕሪ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ማዖን ሰዓበ።
ሽዑ ሳኦል፥ ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ወሲዱ፥ ንዳዊትን ሰዓብቱን ኣጣል በረኻ ናብ ዝነብርዎ ኣኻውሕ ጤለ በዱ ኽደልዮም ከደ።