9 ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ።
ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ገባዖን ናይ ሳኦል፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቅልስ፥ ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ሃበና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣነ ኽህበኩም እየ” በሎም።
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ።
ዳዊት ከዓ ንሜልኮል “ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ኵላ ቤቱን ዝሓረየኒ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መራሒ ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን፤ እወ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝሰሓቕ ዘለኹ።
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ስገም ሸዊቱ፥ እንጣጢዕውን ፈርዩ ነበረ እሞ ጠፍአ።
ስርናይን ዓረስን ግና፥ ጊዜኡ ገና ነበረሞ ኣይተወቕዐን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስስ፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ ወሲድካ፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ንእግዚኣብሄር ስቐሎም” በሎ።
“ዝኾነ ሰብ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እንተ ገበረ እሞ፥ ክመውት እንተተፈረዶ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ድማ እንተ ሰቐልኩምዎ፥
ኑሓሚን ተመለሰት፤ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ሩት ከዓ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ኣብ ቤተ ልሔም ዝበፅሓሉ ጊዜ መጀመርታ ዓፂድ ስገም ነበረ።
ሳሙኤል ከዓ “ሰይፍኻ ነንስቲ፥ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፥ ከምኡ ኸዓ እኖኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ፥ ውሉድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጌልገላ ቘራረፆ።