5 ንሳቶም ድማ ንንጉስ፥ “እቲ ዝወድአናን ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ከይንነብር፥ ምእንቲ ኽንፀንት ዝተተናዀለናን ሰብኣይ፥
ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።
ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ገባዖን ናይ ሳኦል፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቅልስ፥ ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ሃበና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣነ ኽህበኩም እየ” በሎም።
ድሕሪ ሸውዓተ ሻዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ክቕተል እዩ፤ ንባዕሉ ግና ኣይኮነን። ሰራዊት እቲ ዝመፅእ ሓለቓ ድማ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ቤተ መቕደስን ክድምስስ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ድማ ኸም ውሕጅ ክመፅእ እዩ። ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፥ ጥፍኣትውን ተወሲኑ እዩ።