3 ዳዊት ከዓ ንገባዖናውያን፦ “ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትባርኹስ፥ እንታይ ክገብረልኩም፥ መተዓረቒኸ እንታይ እዩ?” በሎም።
ኣብ እስራኤል ሰላምን ሓቅን ካብ ዝፈትዉ ኣነ እየ፤ ንስኻ ደኣ ስለ ምንታይ ነዛ ኣብ እስራኤል እኖ ዝኾነት ከተማ ኽተፍርሳ ትደሊ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ኢኻ ነታ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ?” ኢላ ነገረቶ።
ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም።
ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ።
እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንሳቶም “ባሕሪ ኽሃድአልናስ እንታይ ንግበርካ?” በልዎ።
ከምቲ ሕጊ ዝሰርዖ፥ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዝነፅህ፤ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን፥ ስርየት ሓጢኣት የለንሞ።
ሰብ ንሰብ እንተ በደለ፥ እግዚኣብሄር የተዓርቖ፤ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደለኸ መን የተዓርቖ?” በሎም። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ ግና፥ ዘረባ ኣቦኣቶም ኣይሰምዑን።
እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።