10 ሪፅፋ ጓል ዮዳሄውን ወጮ ወሲዳ፥ ካብ መጀመርታ ቐውዒ ሒዛ፥ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዝዘንም ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዘርግሐት፤ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ብለይቲ ድማ ኣራዊት በረኻ ክዓርፉሎም ኣይሓደገቶምን።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ካብ ማእሰርቲ ኸውፅአካ፥ ርእስኻ ኽቘርፀካ፥ ንስጋኻ ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ኸንጠልጥሎ እዩ፤ ስጋኻውን ኣዕዋፍ ክበልዓኦ እየን” ኢሉ ፈትሐሉ።
እቲ ሪፅጳ ጓል ዮዳሄ፥ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸዓ ንዳዊት ነገርዎ።
ሳኦል ሪፅጳ ዝስማ ጓል ኣያ፥ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር “ስለ ምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣተኻ?” በሎ።
ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።
ንስኻ፥ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን፥ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክትወድቕ ኢኻሞ፤ ክበልዑኻውን በብዓይነቶም ንዝኾኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ምድርን ክውፍየካ እየ።
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤ እተን መጓሰ ኸፍቲ፥ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።
ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።
ብጊዜ ዳሕረዋይ ዝናም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፤ እግዚኣብሄር መብረቅ ይገብር፤ ዝናምን ንነፍሲ ወከፍ ድማ ሳዕሪ ኣብ ግራት ክህብ እዩ።
ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርኩም ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ኽትእክቡ፥ ንምድሪኹም ዝናም ፅድያን ክረምትን ክህበኩም እየ።
ነቲ ኽማረኻ እንተለዋ ተኸዲነናኦ ዝነበራ ኽዳውንቲ ይደርብያኦ። ኣብ ኣባይትኹም ይንበራ፤ ነቦአንን ንኖአንን ከዓ ወርሒ ምሉእ ይብከያሎም። ድሕሪዙይ ኣእትዉወን እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡተን ኩኑ፤ ንሳተን ድማ ኣንስትኹም ይኹና።
“ዝኾነ ሰብ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እንተ ገበረ እሞ፥ ክመውት እንተተፈረዶ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ድማ እንተ ሰቐልኩምዎ፥
ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበርዎ እምበር፥ ኣብ ዕንፀይቲ ኣይሕደር። እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር ዝተረግመ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ እቲ ሬሳ ኣብ ዕንፀይቲ ብምሕዳሩ ኣይተርክስዋ።”
ንዳዊት ከዓ “ነዓ ናባይ፤ ኣነ ኸዓ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ክህቦም እየ” በሎ።
ሎሚ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽቐትለካ፥ ንርእስኻውን ክቘርፃ እየ፤ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከዓ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፤ ሽዑ ኣብ እስራኤል፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።