9 ኢዮኣብ ድማ ንኣሜሳይ “ደሓንዶ ኣለኻ፤ ሓወይ?” ኢሉ፥ ዝስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሓዞ።
ዝኾነ ሰብ ክሰግደሉ ኢሉ እንተ ቐረቦ ብኢዱ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።
ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ።
ንጉስ ድማ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ?” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ “ኢዮኣብ ንኣይ ኣገልጋሊኻን ነቲ ኻልእ ኣገልጋሊኻን ክልእኸና እንተሎ፥ ብዙሕ ዕግርግር ረአኹ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ።
ዘረባኡ ኻብ ጠስሚ ለዘበ፤ ኣብ ልቡ ግና ዂናት ኣሎ፤ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ለስለሱ፤ ንሳቶም ግና ኸም ዝተመዘዘ ሰይፊ እዮም።
ክፍኣት ብልቡ ሓቢኡ፥ ፍቕሪ ዝዛረብ ከንፈር፥ ብዝዕገት ብሩር ከም ዝተለበጠ፥ ኣቕሓ መሬት እዩ።
ካብ ብዙሕ ምስዓም ፀላኢ፥ ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ።
ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።
ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ።