Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 20:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ሽዑ ናይ ኢዮኣብ ሰባትን እቶም ሓለውቲ ንጉስን ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወፁ፤ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኸሳጕጉዎ ኸዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፁ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 20:7
9 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ሓሻኽሩ ኸዓ ብቕድሚኡ ሓለፉ። እቶም ንንጉስ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ኵሎም እቶም ካብ ጌት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቀቅድሚኡ ሓለፉ።


ኢዮኣብ ሓለቓ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ።


ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤


በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ሓለቓ እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ፤ ደቂ ዳዊት ከዓ መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ።


ንሱ ኸዓ “ነቶም ሓለውተይ ምሳኻትኩም ተማሊእኹም፥ ንወደይ ሰሎሞን ከዓ ኣብ በቕለይ ኣቐሚጥኩም ናብ ሩባ ግዮን ኣውርድዎ።


ሽዑ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን በናያስ ወዲ ዮዳሄን እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ከሊታውያንን ፊሊታውያንን፥ ንሰሎሞን ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣቐሚጦም ብዓጀብ ናብ ግዮን ወሰድዎ።


እቲ ንጉስ ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቶም ሓለውቲ ንጉስ ክሊታውያንን ፊሊታውያንን ክዕጅብዎ ሰደዶም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣቐመጥዎ።


ንሕና ንደቡብ ከሬጣውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ሓደጋ ኣውደቕናለን፤ ንፂቅላግ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፀልናያ” በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos