4 ንጉስ ድማ ንኣሜሳይ “ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፤ ንስኻ ኸዓ ሒዝካዮም ኣብዙይ ተረኸብ” በሎ።
ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ።
ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ”
ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸዓ ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከዓ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ።
ኣቢግያ ኸዓ ንኣሜሳይ ወለደት፤ ኣቦ ኣሜሳይ ድማ ዬቴር ዝተብሃለ እስማኤላዊ ነበረ።