3 ዳዊት ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤቱ ኣተወ። ሽዑ ነተን ቤት ክሕልዋ ሓዲጉወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ኻብቲ ዝነበራኦ ወሲዱ፥ ክሕለዋ ኣብ ሓደ ቤት ኣቐሚጡ ይቕልበን ነበረ። ምስኣተን ግና ርክብ ኣይገበረን። ንሳተን ከዓ ኸም መበለታት ኮይነን ክሳዕ ዕለተ ሞተን ተዓፅየን ነበራ።
ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ፥ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት፥ ክእሰሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።
ንጉስ ድማ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ እንትርፊ እተን ቤተ መንግስቲ ኽሕልዋ ዝሓደገን ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ፤ ኵሉ ቤተሰቡ ደድሕሪኡ ሰዓቦ።
ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ሓዲጎም ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ሰዓቡ። ሰብ ይሁዳ ግና ንንጉሶም እሙናት ኮይኖም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኢየሩሳሌም ተኸተሉ።