3 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ።
እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦
ኵሎም ግፍዒ ዝበፅሖምን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ ሓለቓ ኾነ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ምስኡ ነበሩ።
ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ።