23 ኣሳሄል ግና ካብኡ ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣበኔር ብዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፥ እቲ ዂናት ብድሕሪቱ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ወዲቑ ሞተ። ናብታ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመፀ ዅሉ ድማ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።
ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ንኣበኔር ኣሳጐጕዎ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን፥ ኣብ መንፅር ጋይ ዘላ ዀረብታ ኣማ ምስ በፅሑ ኸዓ ፀሓይ ዓረበት።
ኣሜሳይ ግና ነቲ ኢዮኣብ ዝሓዞ ሰይፊ ስለ ዘይተጠንቀቐሉ፥ ኢዮኣብ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፥ ኣምዑቱውን ናብ ምድሪ ተዘርገፈ፤ ካልኣይ እንተይወግኦ ኸዓ ሞተ፤ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ድማ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኽሃድንዎ ኸዱ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
(ኣበኔር ንሓዎም ኣሳሄል ኣብ ገባዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፥ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ከዓ ንኣበኔር ቀተልዎ።)
እታ ሓላዊት ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጣ ስርናይ እናንተርተረት እንተላ ተታኸሰት። ሽዑ ሬካብን በዓናን ሰላሕ ኢሎም ናብ ምድቃስ ኢያቡስቴ ኣተዉ።
እቲ ንጉስን ሰቡን ድማ ኣብቲ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ኢያቡሳውያን ክዋግኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳቶም “ዳዊት ናብዙይ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ “ዕውራትን ሓንካሳትን እንተ ዘየውፂእኻ ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ።