21 ኣበኔር ድማ “ንየማንካ ወይ ንፀጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፥ ንሓደ ኻብዞም መናእሰይ ሒዝካ ኣፅዋሩ ግፈፎ” በሎ። ኣሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ከየግልስ እምቢ በለ።
ሽዑ ኣበኔር ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ “ንስኻ ኣሳሄል ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
ኣበኔር ድማ መሊሱ ንኣሳሄል “ኣግልስ! ምስ ምድሪ ከየጣብቐካስ ኣይትስዓበኒ። ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገፅ ሓውካ ኢዮኣብ ክርኢ እየ?” በሎ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ።