2 ሽዑ ዳዊትን ክልቲአን ኣንስቱ፥ ምስ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን፥ ኮይኖም ናብ ኬብሮን ደየቡ።
ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ፥ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረት፥ ዝተወለደ ዶሎሕያ፤ ሳልሳይ ካብ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወለደ ኣቤሴሎም፤
ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ።
ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን ከዓ ተማሪኸን ነበራ።