15 ሽዑ ኻብ ብንያምን ካብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ዓሰርተ ኽልተ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ተቘፀሩ እሞ ተስኡ።
ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ፥ “እዞም መናእሰይ ይተስኡ እሞ፥ ኣብ ቅድሜና ይዋግኡ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ይዋግኡ” በሎ።
ነፍሲ ወከፍ ርእሲ መጋጥምቱ ኣፅኒዑ ሒዙ ሰይፊ ኣብ ጐድኒ መጋጥምቱ ሸኸለ፤ ተተሓሒዞም ከዓ ብሓደ ወደቑ። ስለዙይ እታ ቦታ ግራት ስሕለታም ሰይፊ ተብሃለት። ንሳ ድማ ኣብ ገባዖን ትርከብ።
ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፥ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ።