9 ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።
ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም።
ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።
ንጉስ ከዓ ናብ ጌልገላ ተሳገረ፤ ከመዓምውን ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ድማ ንንጉስ ኣሳገርዎ።
ካብ ክርክር ህዝቢ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ይግዝአኒ።
ዳዊት ድማ ናብ በኣልፐራሲም መፀ፤ ኣብኣ ኸዓ ወቕዖም እሞ፥ “ማይ ከም ዘፍርስ፥ እግዚኣብሄር ንፀላእተይ ኣብ ቅድመይ ኣፍረሶም” በለ። ስለዙይ ነታ ቦታ እቲኣ በኣልፐራሲም ዝብል ስም ኣውፅአላ።
ካብ ክርክር ኣህዛብ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ድማ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ።
ኣነ ድማ ‘ወርቂ ዘለዎ ኣውፂኡ ይሃበኒ’ በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ሃቡኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርበኽዎ፤ እዝ ምራኽ እዙይ ከዓ ወፀ።”
በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ፤ ዳዊት ግና ኣብ ኢዱ ሰይፊ ኣይነበሮን።
ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ “ኣብቶም ፀላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፥ ንጉስ፥ ብዘይ ሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን፥ ካልእ ዝደልዮ ውህብቶ የብሉን” ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ በሎም።