8 ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ንዅሉ ህዝቢ ነገርዎ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ቅድሚ ንጉስ መፀ። እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ።
ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ።
ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ሓላዊ ኸዓ ኣብ ዝባን እቲ መካበብያ ደዪቡ ኣብኡ ደው በለ። እንተ ጠመተ ኸዓ በይኑ ዝጐዪ ሰብኣይ ረአየ።
እቲ ንጉስ ከዓ “ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየኩም እገብር” በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣፍ ደገ ደው በለ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኮይኖም ወፁ።
ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ።
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ።
ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ።
ሽዑ ኢዮራም፥ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ፃኢር ሓለፈ። ኤዶማውያን ከዓ ኸበብዎም። ንሱ ግና ብለይቲ ተሲኡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያን ወቕዐ፤ እቶም ህዝቢ ድማ፤ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።