Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 19:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ቤት ንጉስ ኣትዩ ንንጉስ “ሎሚ ነቶም ህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣዋልድካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን፥ ንዘድሓኑ ዅሎም ኣገልገልትኻ ኣሕፈርካዮም።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 19:5
9 Referencias Cruzadas  

ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።


ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።


ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ”


እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።


ነቶም ዝፀልኡኻ ብምፍታውካን፥ ነቶም ዝፈትዉኻ ድማ ብምፅላእኻን፥ ነቶም ሓሻኽርካ ኣሕሉቕን ግዲ ኸም ዘይብልካ፥ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝህሉ፥ ንሕና ዅልና ግና ሎሚ እንተንመውት፥ ዝሐሸ ኾይኑ ኸም ዝረአየካ፥ ሕዚ ፈለጥኩ።


ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።


ስለዙይ ናብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፤ ንሳቶምውን ኣጨነቕዎም። ብጊዜ መከራኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ኻብ ሰማይ ሰማዕኻ፤ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ካብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሕንዎም መራሕቲ ሃብካዮም።


ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos