4 እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ።
ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።
ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ።
ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ።
ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ቤት ንጉስ ኣትዩ ንንጉስ “ሎሚ ነቶም ህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣዋልድካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን፥ ንዘድሓኑ ዅሎም ኣገልገልትኻ ኣሕፈርካዮም።