2 እቲ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፥ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሉ ህዝቢ እቲ ናይ ዓወት ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተለወጠ።
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ።
ንኢዮኣብ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ።
ገፅ ንጉስ እንተ በርሀ፥ ህይወት እዩ፤ ሞገሱ ኸዓ ኸም ደመና ፅብሓት እዩ።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።