12 ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ዓፅመይን ስጋይን ኢኹም። ስለ ምንታይ ንምምላሰይ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?’
ኣዳም ከዓ “እዚኣ ዓፅሚ ኻብ ኣዕፅምተይ፥ ስጋ ኸዓ ኻብ ስጋይ እያ፤ ካብ ሰብኣይ ተረኺባ እያ እሞ፥ ሰበይቲ ትበሃል” በለ።
ላባ ኸዓ “ብሓቂ ንስኻ ዓፅመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።
እንሆ ድማ፥ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፂኦም፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ እዮም እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ንኣኻን ንስድራኻን ንዅሎም ሓሻኽርካን እንተይነገሩና ንዮርዳኖስ ዘሳገሩኹም?” በልዎ።
ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸዓ ንሰብ እስራኤል፥ “ንጉስ ንኣና ስለ ዝቐርብ ኢና፥ ስለ ምንታይ ኢኹም በዝ ነገር እዙይ እትዅርዩ? ኻብ ንጉስዶ ዝኾነ ብላዕ በሊዕና ኢና? ወይ ዝኾነ ውህብቶዶ ሂቡና እዩ?” ኢሎም መለሱሎም።
ድሕሪዙይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ኬብሮን መፂኦም፥ ንዳዊት “እኒሀና፥ ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና፤
ሳዶቅ ወዲ ኣኪጦብን፥ ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሰራያ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ፤
ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
“በይዛኻትኩም ንዅሎም ሰብ ሴኬም፥ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም? ደቂ ጌዴዎን ብሰብዓኦም ክገዝኡኹምዶ ወይ ከዓ ሓደ ሰብኣይ ክገዝአኩም ይሕሸኩም?’ ኢልኩም ጠይቕዎም፤ ኣነ ኸዓ ናይ ስጋኹም ቍራፅ ናይ ዓፅምኹም ፍላፅ ከም ዝኾንኩ ዘክሩ” በሎም።