Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 19:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸሎም፤ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናባይ በፂሑ ሰሚዐዮ እየ፤ ስለ ምንታይከ ንስኻትኩም ንኣይ ናብ ቤተ መንግስተይ ንምምላስ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 19:11
11 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢየሩሳሌም መለስዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጡ።


ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ።


ንኢዮኣብ ኣፅዋሩ ዝስከሙሉ ዓሰርተ መንእሰያት ከዓ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፤ ወቒዖም ድማ ቐተልዎ።


እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።


እንሆ ድማ፥ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፂኦም፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ እዮም እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ንኣኻን ንስድራኻን ንዅሎም ሓሻኽርካን እንተይነገሩና ንዮርዳኖስ ዘሳገሩኹም?” በልዎ።


ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኽንዲ ኢዮኣብ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ሓለቓ ሰራዊት ገበረ። ንኻህን ሳዶቕ ከዓ ኽንዲ ኣብያታር ገበረ።


ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።


ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።


እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos