Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 19:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 19:10
9 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም።


ንጉስ ድማ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ እንትርፊ እተን ቤተ መንግስቲ ኽሕልዋ ዝሓደገን ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ፤ ኵሉ ቤተሰቡ ደድሕሪኡ ሰዓቦ።


ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ።


ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸሎም፤ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናባይ በፂሑ ሰሚዐዮ እየ፤ ስለ ምንታይከ ንስኻትኩም ንኣይ ናብ ቤተ መንግስተይ ንምምላስ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?


ንጉስ ከዓ ናብ ጌልገላ ተሳገረ፤ ከመዓምውን ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ድማ ንንጉስ ኣሳገርዎ።


ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።


“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።


ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos