2 ሓደ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ እቲ ጌታዊ ኢታይ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፥ “ኣነውን ርግፅ ምሳኻትኩም ክወፅእ እየ” በሎም።
ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ።
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና ረድኦ፤ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ብሰይፉ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “መብራህቲ እስራኤል ከይትጠፍእስ፥ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትወፅእን” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ መሓሉ።
ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ፥ ነቶም ሰላሳ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ኲናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ቐተለ። ስሙ ኸዓ ከምቶም ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ግኑን ነበረ።
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤
ኢዮኣብ ድማ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይተኸተለ፥ ንኣዶንያስ ተኸቲሉ ነበረሞ፥ ወረ ምስ በፅሖ፥ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ሃዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ።
ካብቶም ዝኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሕን እየ።
ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም።
ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፥ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ ሽዑ ንሽዑ ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን፥ ናብቲ ጥቓ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ሳርማታትውን ሰበርዎ።
ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ሰለስተ ሰራዊት መቐሎ፤ ኣብ በረኻ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። እንሆ ድማ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወፅእ ምስ ረአየ ተሲኡ ቐተሎም።
ንፅባሒቱ ኸዓ ሳኦል ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም። ወጋሕታ ምስ ኮነ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ኣሞናውያን ኣትዮም፥ ቀትሪ ኽሳዕ ዝኸውን ወቕዕዎም። እቶም ካብኣቶም ዝተረፉ ኸዓ ፋሕ በሉ፤ ነንበይኖም ከዓ ሃደሙ።