5 ኣቤሴሎም ግና “እስኪ ንኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ፀውዕዎ፤ ንሱ ዝብሎ ድማ ኽንሰምዕ” በለ።
ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።
እዝ ምኽሪ እዙይ ንኣቤሴሎምን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ኣሐጐሰ።
ኵሲ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል ከምዙይ ዝበለ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ፤ ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር ይግባእ እዩ? እንተ ዘይኮይኑ ግና ንስኻ ንገረና” ኢሉ ተዛረቦ።
“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።