12 ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝወድቕ፥ ኣብታ ዝርከበላ ቦታ ሓደጋ ነውድቐሉ። ንእኡን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከዓ ሓደ እንተየትረፍና ንቐትሎም።
ወልደ ኣዴር ድማ “ነቲ ዝኽተለኒ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዕዅቲ ዕዅቲ እንተ በፂሕዎምስ ኣማልኽቲ እዙይ ይግበሩኒ፤ እዙይውን ይወስኹኒ” ኢሉ ለኣኸሉ።
“ሕዚ ድማ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ። ንስኻ፥ ዝቕመጥዎም ክተምፅእ እንተ ኽኢልካስ፥ ክልተ ሽሕ ኣፍራስ ክህበካ እየ።
ኰዓትኩ ጋሻ ማይውን ሰተኹ፤ ነቲ ዝተገደበ ማይውን ብኸብዲ እግረይ ኣንቀፅክዎ ድማ በልካ።
ብቐደሙውን፥ ብመዓልቲ ሓይሊ ብቅዱሳን ብርሃን፥ ቅድሚ ኮኸብ ፅባሕ ካብ ከርሲ ወለድኩኻ።
ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።
እቲ ተረፍ ያእቆብ፥ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ኣህዛብ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ ጠሊ፥ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ካፋ ንሰብ ከም ዘይሕሉ፥ ኣብ ደቂ ሰባትውን ተስፋ ኸም ዘይገብር ክኸውን እዩ።
እቲ ንሱ ዝሕብአሉ መሕብኢታት ርኢኹም ከዓ ፍለጡ፤ ምስ ኣረጋገፅኩም ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፥ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኣብታ ምድሪ እንተ ተሓቢኡ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸውፅኦ እየ” በሎም።