1 ኣኪጦፌል ድማ ንኣቤሴሎም “በይዛኻ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት መሪፀ ተሲአ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ ፍቐደለይ።
በቲ ጊዜ እቱይ ኣኪጦፌል ዝመኽሮ ምኽሪ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ገይሮም ይቕበልዎ ነበሩ። ምስ ዳዊትን ምስ ኣቤሴሎምን ከዓ ኸምዙይ ነበረ።
ተዳኺሙን ለሽ ኢሉን እንተሎ፥ ሓደጋ ኣውዲቐ ኸደንግፆ እየ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ኸዓ ኽሃድም እዩ። ንንጉስ በይኑ ቐቲለ፥
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።
ንሳቶም ክፉእ ንምግባር ይጐዩ፤ ኣእጋሮም ከዓ ደም ንምፍሳስ፥ ቅልጡፋት እየን።
ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።