Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 16:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 16:9
13 Referencias Cruzadas  

ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ።


ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም።


(ኣበኔር ንሓዎም ኣሳሄል ኣብ ገባዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፥ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ከዓ ንኣበኔር ቀተልዎ።)


ሽዑ ኣበኔር ብዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቘጢዑ “ኣነስ ንቤት ሳኦል ጠሊመ፥ ኣገልጋሊ ቤት ይሁዳ ዝኸውንዶ ይመስለካ? ካብ ቅድም ሒዘ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን እሙን ኮይነ ኣገልገልኩ፤ ንኣኻውን ናብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ንስኻ ግና ሎሚ ናብዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምእታወይ ከም በደል ትቘፅረለይ ኣለኻ።


ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገፅካ ኽትመልስስ፥ ኣነ ሓሽከርካ መን እየ?” በለ።


“ንእግዚኣብሄር ኣይትፅረፍ፤ ንሓለቓ ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።


ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ነዙይ ምስ ረአዩ “ጐይታ! ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ?” በልዎ።


ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።


ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።


“ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወፂኡ ዘሎ? ንመንከ ኢኻ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ? ንምዉት ከልቢ? ወይ ንቝንጪ?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos