8 ንስኻ ኽንዲ ሳኦል ነገስካ፤ ክንዲ እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ሳኦል ዘፍሰስካዮ ደም፥ እግዚኣብሄር ፈደየካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ፤ ስለዙይ እንሆ ብኽፍኣትካ ተትሓዝካ” ይብሎ ነበረ።
“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።
ንንጉስ ድማ፦ “ጐይታይ! ነቲ በደለይ ይቕረ በለለይ፤ በታ ጐይታይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ነቲ ኣነ ኣገልጋሊኻ ዝበደልኩኻ ኣይትዘክሮ፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ።
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ።
ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።
ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ።
“እንሆ ኸዓ፥ ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ኣነ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፤ ግና ንሱ ንዮርዳኖስ ኣብ ዝተሳገርኩሉ ጊዜ ኽቕበለኒ ወረደ፤ ኣነውን ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ።
ብዙሓት ሰባት “ንነፍሰይ ኣምላኽኪ ኣየድሕነክን” በልዋ።
ኣቱም ደቂ ሰብ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ልብኹም እተኽብዱ? ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ኸንቱ ነገር እትፈትዉን ንሓሰት እትደልዩን?
ካብ ድምፂ ፀላእየይን፥ ካብ ግፍዒ ዓመፀኛን ዝተልዓለ፥ ንዓመፅ ኣብ ልዕለይ ደርብዮምለይ እዮምሞ፤ ብቝጥዓውን ፀሊኦምኒ ኣለዉ።
ኣብ ኢደይውን ዓመፅ እንተ ተረኺቡ፥ ክፉእ ንዝገበሩኒ፥ ክፉእ መሊሰሎም እንተ ኾይነ፥ ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥
ከምታ እትነፍር ጭሩን፥ እትበርር ለዃዅቶን ዘይትዓልበካ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽንያት ዘይብሉ መርገም ኣይበፅሕን።
ደም ቅዱሳንን ደም ነቢያትን ኣፍሲሶም እዮም፤ ንስኻ ኸዓ፥ ደም ኣስተኻዮም፤ ይግብኦም እዩ እሞ” እንትብል ሰማዕኹ።
እዙይ ዝኾነ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ ጌዴዎን ዝተገብረ ግፍዕን ምፍሳስ ደምን ምእንቲ ኽፍደ፥ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ዝደገፍዎ ሰብ ሴኬምን፥ ምእንቲ ኽቕፅዑ እዩ።