6 እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ፀጋሙ እንተለዉ፥ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ።
ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።
ሳሚ ኽረግሞ እንተሎ “ኣታ ናይ ደም ሰብ፥ ከንቱ ዝኾንካ ውፃእ፤ ውፃእ።
ንንጉስ ድማ፦ “ጐይታይ! ነቲ በደለይ ይቕረ በለለይ፤ በታ ጐይታይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ነቲ ኣነ ኣገልጋሊኻ ዝበደልኩኻ ኣይትዘክሮ፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ።