Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 16:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ሽዑ ንጉስ ንሲባ “እንሆ፥ ናይ ሜምፊቦስቴ ዝኾነ ዅሉ ንኣኻ እዩ” በሎ። ሲባ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኢድ እነስእ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ጥራሕ ሞገስ እርከብ” በለ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 16:4
14 Referencias Cruzadas  

ኢዮኣብ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፤ ንንጉስ ከዓ መረቖ። “ጐይታይ ንጉስ፥ ዘረባይ ዘረባ ሓሽከርካ ብምትግባርካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ሎሚ ፈለጥኩ” በለ።


እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ። “ኦ ንጉስ! ርድአኒ” ድማ በለቶ።


ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “ንገዛኺ ኺዲ፤ ኣነ ድማ ብዛዕባ ነገርኪ ኽእዝዝ እየ” በላ።


እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።


ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።


ንሱ ኣባኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓስዩ ኣባኣሰኒ። ጐይታይ ንጉስ ግና ኸም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢኻ እሞ፥ ደስ ዝበለካ ግበር።


ሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሳኦል፥ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ ብግንባሩ ተደፊኡ ኢድ ነስአ። ዳዊት ድማ “ሜምፊቦስቴ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።


ሽዑ ንጉስ ዳዊት ንሲባ ኣገልጋሊ ሳኦል ፀዊዑ “ናይ ሳኦልን ናይ ኵላ ቤቱን ዝኾነ ዅሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።


“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል።


እንተይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ፥ ዕሽነትን ሕፍረትን ይኾኖ።


እቲ በዓል ነገሩ፥ መፂኡ ኣፀቢቑ ክሳዕ ዝምርመር፥ እቲ ኣቐዲሙ ዘስምዕ ሰብ፥ ሓቀኛ ይመስል።


ነፍሲ፥ ብዘይ ፍልጠት ክትከውን ሰናይ ኣይኮነን፤ ቅልጡፍ እግሪ ኸዓ መንገዲ ይስሕት።


“ዝኾነ በደል ወይ ሓጢኣት እንተ ተፈፀመ፥ ብሓደ ምስክር ኣይፅናዕ። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይፅናዕ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos