Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




2 ሳሙኤል 16:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እቲ ንጉስ ድማ ንሲባ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሲባ ኸዓ፥ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ክቕመጥወን፥ እዝ እንጀራን ፍረታትን ድማ እዞም ሓሻኽር ክበልዕዎ፥ እዝ ወይኒ ኸዓ እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝደኽሙ ዘለዉ ኽሰትይዎ ኢለ እየ” በለ።

Ver Capítulo Copiar




2 ሳሙኤል 16:2
13 Referencias Cruzadas  

ኣቢሜሌክ ከዓ ንኣብርሃም “እዘን ንበይነን ዝፈለኻየን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እንታይ እየን?” በሎ።


ኤሳው ከዓ “እዝ ዅሉ ዝረኸብክዎ መጓሰታትከ እንታይ እዩ? ንምንታይ ዝኸውንከ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ያእቆብ ድማ “ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰሉ።


ድሕሪዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ፤ ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ዓጀብቲውን ገበረ።


ኵሎም እቶም ሰዓብቲ ዳዊት ክሓልፉ እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ይበኽዩ ነበሩ። ንጉስ ድማ ሩባ ቄድሮን ተሳገረ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በታ ናብ ምድረ በዳ ኣቢላ እትወስድ መንገዲ ተሳገሩ።


ንሱ ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንካስ እየ እሞ፥ ኣድጊ ፅዒነ ተቐሚጠ ምስ ንጉስ ክኸይድ ሓሲበ ነበርኩ፤ ግና ሲባ ሓሽከረይ ኣታለለኒ።


እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፥ እዝ እትገብሮ ዘለኻ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ሓሳብካዶ ኣይትገልፀልናን ኢኻ? ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፥


ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ።


ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥ ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥ ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።


ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ “ኣቦኻ ‘ሎሚ እንጀራ ዝበልዐ ርጉም ይኹን’ ኢሉ ንህዝቢ ኣፅኒዑ ኣምሒልዎም ስለ ዘሎ እቲ ህዝቢ ደኺሙ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።


ሕዚ ኸዓ እዝ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ዘምፃእኹልካ ገፀ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝኽተሉ ኣጓብዝ ይወሃብ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos